Rasulullah tetap mengerjakan shalat ketika di ujung hidung beliau ada air bercampur tanah
Imam Bukhari : 771
حَدَّثَنَا مُوسَى قَالَ حَدَّثَنَا هَمَّامٌ عَنْ يَحْيَى عَنْ أَبِي سَلَمَةَ قَالَ انْطَلَقْتُ إِلَى أَبِي سَعِيدٍ الْخُدْرِيِّفَقُلْتُ أَلَا تَخْرُجُ بِنَا إِلَى النَّخْلِ نَتَحَدَّثُ فَخَرَجَ فَقَالَ قُلْتُ حَدِّثْنِي مَا سَمِعْتَ مِنْ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فِي لَيْلَةِ الْقَدْرِ قَالَ اعْتَكَفَ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ عَشْرَ الْأُوَلِ مِنْ رَمَضَانَ وَاعْتَكَفْنَا مَعَهُ فَأَتَاهُ جِبْرِيلُ فَقَالَ إِنَّ الَّذِي تَطْلُبُ أَمَامَكَ فَاعْتَكَفَ الْعَشْرَ الْأَوْسَطَ فَاعْتَكَفْنَا مَعَهُ فَأَتَاهُ جِبْرِيلُ فَقَالَ إِنَّ الَّذِي تَطْلُبُ أَمَامَكَ فَقَامَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ خَطِيبًا صَبِيحَةَ عِشْرِينَ مِنْ رَمَضَانَ فَقَالَ مَنْ كَانَ اعْتَكَفَ مَعَ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فَلْيَرْجِعْ فَإِنِّي أُرِيتُ لَيْلَةَ الْقَدْرِ وَإِنِّي نُسِّيتُهَا وَإِنَّهَا فِي الْعَشْرِ الْأَوَاخِرِ فِي وِتْرٍ وَإِنِّي رَأَيْتُ كَأَنِّي أَسْجُدُ فِي طِينٍ وَمَاءٍ وَكَانَ سَقْفُ الْمَسْجِدِ جَرِيدَ النَّخْلِ وَمَا نَرَى فِي السَّمَاءِ شَيْئًا فَجَاءَتْ قَزْعَةٌ فَأُمْطِرْنَا فَصَلَّى بِنَا النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ حَتَّى رَأَيْتُ أَثَرَ الطِّينِ وَالْمَاءِ عَلَى جَبْهَةِ رَسُولِ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ وَأَرْنَبَتِهِ تَصْدِيقَ رُؤْيَاهُ
ነጊሩና ኣሎ [ሙሴ] ኢሉ፡ ነጊሩና ኣሎ [ሓማም] ካብ [ያሕያ] ካብ [ኣቡ ሰላማ] ኢሉ፡ ናብ [ኣቡ ሰዒድ ኣል ኹድሪ] ከይደ፡ ድሕሪኡ ‘ኣብ ትሕቲ ስየ ተምሪ ምሳና ክትከይድ ዲኻ ኣብኡ ክንዛረብ?’ ኢለ ሓተትክዎ። ከይዱ ምሳና ኣዕለለ። ኣነ ድማ ብድሕሪኡ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ብዛዕባ ላይላቱል ቃዳር ዝሰማዕካዮ ንገረኒ በልኩ። ብድሕሪኡ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ለይቲ ሮሞዳን ኢዕቲካፍ ይገብሩ ነይሮም፡ ንሕና እውን ምስኡ ኢዕቲካፍ ጌርና። ሽዑ መልኣኽ ገብርኤል መጺኡ 'ብሓቂ እቲ ትደልዮ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ -ኣብታ እትቕጽል ለይቲ-' በለ። ስለዚ ኣብ መፋርቕ ዓሰርተ ለይቲ ኢቲካፍ ፈጺሙ ንሕና ውን ምስኡ ኢዕቲካፍ ንገብር ኔርና። ሽዑ መልኣኽ ገብርኤል መሊሱ መጺኡ 'ብሓቂ እቲ ትደልዮ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ -ኣብታ እትቕጽል ለይቲ-' በለ። ስለዚ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ኣብ ወርሒ ሮሞዳን መበል ዕስራ መዓልቲ ንግሆ ስብከት ክህቡና ደው ኢሎም: 'ምስ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ዎሰላም ቲካፍ ዝገበረ ሽዑ ናብ ገዛ ይምለስ: ምኽንያቱ ኣነ - ብሕልሚ - ላይላቱል ቃዳር ተራእየኒ ግን ልክዕ ሰዓት ረሲዐዮ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ለይትታትን ኣብ ዕጹው ለይትታትን ግን ኣብኡ ኣሎ። ብርግጽ ኣብቲ ጭቃ ዝመልኦ መሬትን ማይን ሰጊደ ከም ዘለኹ ብሕልሚ ርእየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናሕሲ እቲ መስጊድ ገና ብቆጽልን ቆጽሊ ስየ ዝተሰርሐ ስለ ዝነበረ፡ ደበና መጺኡ ዝናብ ክሳብ ዝዘንብ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ነገር ኣይረኣናን። ስለዚ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ኣብ ገጽን ጫፍ ኣፍንጫን ናይ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከም መርትዖ ሓቅነት ናይ ሕልሙ ተረፍ መሬትን ማይን ክሳብ ዝረኣኹ ምሳና ሰገደ።