Imam Ahmad : 22360
حَدَّثَنَا مُوسَى بْنُ دَاوُدَ حَدَّثَنَا مُحَمَّدُ بْنُ جَابِرٍ عَنْ عَمْرِو بْنِ مُرَّةَ عَنْ أَبِي الْبَخْتَرِيِّ عَنْ حُذَيْفَةَ قَالَ كُنَّا مَعَ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فِي جِنَازَةٍ فَلَمَّا انْتَهَيْنَا إِلَى الْقَبْرِ قَعَدَ عَلَى شَفَتِهِ فَجَعَلَ يَرُدُّ بَصَرَهُ فِيهِ ثُمَّ قَالَ يُضْغَطُ الْمُؤْمِنُ فِيهِ ضَغْطَةً تَزُولُ مِنْهَا حَمَائِلُهُ وَيُمْلَأُ عَلَى الْكَافِرِ نَارًا ثُمَّ قَالَ أَلَا أُخْبِرُكُمْ بِشَرِّ عِبَادِ اللَّهِ الْفَظُّ الْمُسْتَكْبِرُ أَلَا أُخْبِرُكُمْ بِخَيْرِ عِبَادِ اللَّهِ الضَّعِيفُ الْمُسْتَضْعَفُ ذُو الطِّمْرَيْنِ لَوْ أَقْسَمَ عَلَى اللَّهِ لَأَبَرَّ اللَّهُ قَسَمَهُ
ነጊሩና ኣሎ [ሙሳ ቢን ዳውድ] ነጊሩና ኣሎ [መሓመድ ቢን ጃብር] ካብ [ዓምሩ ቢን ሙራ] ካብ [ኣቡ ኣልበኽቱሪ] ካብ [ሑድዛይፋ] ከምዚ ኢሉ፤ ንረሱሉላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ነቲ ሬሳ ከሰንዮ ኣሰንናዮ፣ ኣብቲ መቓብር ምስ በጻሕና ኣብ ወሰን ኮፍ ኢሉ፣ ኣዒንቱ ኣቕኒዑ ድሕሪኡ: ‘እቲ ኣማኒ ንብረቱ ክሳብ ዝጠፍእ ኣብኡ ተጨፍሊቑ ኣሎ፣ እቲ ካፍር ድማ - መቓብሩ - ብሓዊ ይመልእ’ በለ። ብድሕሪ እዚ ከምዚ በሎ፦ ‘ብዛዕባ እቶም ኣዝዮም ክፉኣት ኣገልገልቲ ኣላህ ክነግረኩም ትደልዩ ዶ፤ ትዕቢተኛ ሰብ። ንዝበለጸ ባርያ ኣላህ ክነግሮ ትደልዩ ዶ፤ ድኹም ሰብ ውጹዕን ዕንክሊል ዝበለ ክዳን ዝለበሰን ብስም ኣላህ እንተመሒሉ ብርግጽ ኣላህ ማሕላኡ ክፍጽም እዩ'።