Imam Ahmad : 21260
حَدَّثَنَا أَبُو الْمُغِيرَةِ حَدَّثَنَا مُعَانُ بْنُ رِفَاعَةَ حَدَّثَنِي عَلِيُّ بْنُ يَزِيدَ عَنْ الْقَاسِمِ عَنْ أَبِي أُمَامَةَ قَالَ خَرَجْنَا مَعَ رَسُولِ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فِي سَرِيَّةٍ مِنْ سَرَايَاهُ قَالَ فَمَرَّ رَجُلٌ بِغَارٍ فِيهِ شَيْءٌ مِنْ مَاءٍ قَالَ فَحَدَّثَ نَفْسَهُ بِأَنْ يُقِيمَ فِي ذَلِكَ الْغَارِ فَيَقُوتُهُ مَا كَانَ فِيهِ مِنْ مَاءٍ وَيُصِيبُ مَا حَوْلَهُ مِنْ الْبَقْلِ وَيَتَخَلَّى مِنْ الدُّنْيَا ثُمَّ قَالَ لَوْ أَنِّي أَتَيْتُ نَبِيَّ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فَذَكَرْتُ ذَلِكَ لَهُ فَإِنْ أَذِنَ لِي فَعَلْتُ وَإِلَّا لَمْ أَفْعَلْ فَأَتَاهُ فَقَالَ يَا نَبِيَّ اللَّهِ إِنِّي مَرَرْتُ بِغَارٍ فِيهِ مَا يَقُوتُنِي مِنْ الْمَاءِ وَالْبَقْلِ فَحَدَّثَتْنِي نَفْسِي بِأَنْ أُقِيمَ فِيهِ وَأَتَخَلَّى مِنْ الدُّنْيَا قَالَ فَقَالَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ إِنِّي لَمْ أُبْعَثْ بِالْيَهُودِيَّةِ وَلَا بِالنَّصْرَانِيَّةِ وَلَكِنِّي بُعِثْتُ بِالْحَنِيفِيَّةِ السَّمْحَةِ وَالَّذِي نَفْسُ مُحَمَّدٍ بِيَدِهِ لَغَدْوَةٌ أَوْ رَوْحَةٌ فِي سَبِيلِ اللَّهِ خَيْرٌ مِنْ الدُّنْيَا وَمَا فِيهَا وَلَمُقَامُ أَحَدِكُمْ فِي الصَّفِّ خَيْرٌ مِنْ صَلَاتِهِ سِتِّينَ سَنَةً
ነጊሩና ኣሎ [ኣቡ ኣል ሙጊራ] ነጊሩና ኣሎ [ሙዓን ቢን ሪፋዓ] ነጊሩኒ ኣሎ [ዓሊ ቢን ያዚድ] ካብ [ኣልቃሲም] ካብ [ኣቡ ኡማማ] ከምዚ ኢሉ፤ ምስ ረሱሉላህ ሰለላሁዓላይሂ ዋሳላም ኣብ ሓደ ካብ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ከድና። ሽዑ ሓደ ሰብ ብሓደ ንእሽቶ ማይ ኣብ ዝነበረሉ በዓቲ ሓለፈ። እቲ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ማይን ኣሕምልትን እናበልዐ ንዓለም ገዲፉ ኣብቲ በዓቲ ክጸንሕ ንነብሱ ነገራ። ቀጺሉ ድማ፤ ናብ ነቢ ሰለላሁዓለይሂ ዋሰላም ከይደ ብዛዕባኡ እንተዝነግሮ እንተዝፈቕደሉ ምገበርኩዎ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣይምገበርክዎን ። ናብ ረሱል ሰለላሁዓለይሂ ዋሳላም መጺኡ ከምዚ በለ፤ ኣንታ ነቢይ ኣላህ! ሓደ በዓቲ ሓሊፈ ኣብኡ ክበልዖ ዝኽእል ነገራት ከም ማይን ኣሕምልትን ዝነበረሉ ሽዑ ልበይ ኣብኡ ጽናሕ ንዓለም ክወጽእ ነገረኒ። ረሱል ሰለላሁዓለይሂ ዋሳላም ከምዚ ኢሎም፤ ‘ኣነ ኣይሁድነትን ክርስትናን ሒዘ ኣይኮንኩን ዝተላእኩ፡ ግን ከኣ ልሕሉሕ ሞኖቴይዝም ሒዘ እየ ተላኢኸ። በቲ ነፍሲ መሓመድ ኣብ ኢዱ ዘላ፡ ብሓቂ ኣብ መንገዲ ኣላህ ንግሆ ወይ ምሸት ካብ ካልእ ዓለም ይበልጽ፡ ብሓቂ ድማ ሓደ ካባኻትኩም ኣብ መሳርዕ ኲናት ደው ምባሉ ካብ ስሳ ዓመት ጸሎት ይሓይሽ'።