Imam Ahmad : 14260
حَدَّثَنَا عَبْدُ الصَّمَدِ وَعَفَّانُ قَالَا حَدَّثَنَا حَمَّادٌ قَالَ عَفَّانُ فِي حَدِيثِهِ أَخْبَرَنَا أَبُو الزُّبَيْرِ وَقَالَ عَبْدُ الصَّمَدِ فِي حَدِيثِهِ حَدَّثَنَا أَبُو الزُّبَيْرِ عَنْ جَابِرِ بْنِ عَبْدِ اللَّهِ أَنَّ رَسُولَ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ رَأَيْتُ كَأَنِّي فِي دِرْعٍ حَصِينَةٍ وَرَأَيْتُ بَقَرًا مُنَحَّرَةً فَأَوَّلْتُ أَنَّ الدِّرْعَ الْحَصِينَةَ الْمَدِينَةُ وَأَنَّ الْبَقَرَ هُوَ وَاللَّهِ خَيْرٌ قَالَ فَقَالَ لِأَصْحَابِهِ لَوْ أَنَّا أَقَمْنَا بِالْمَدِينَةِ فَإِنْ دَخَلُوا عَلَيْنَا فِيهَا قَاتَلْنَاهُمْ فَقَالُوا يَا رَسُولَ اللَّهِ وَاللَّهِ مَا دُخِلَ عَلَيْنَا فِيهَا فِي الْجَاهِلِيَّةِ فَكَيْفَ يُدْخَلُ عَلَيْنَا فِيهَا فِي الْإِسْلَامِ قَالَ عَفَّانُ فِي حَدِيثِهِ فَقَالَ شَأْنَكُمْ إِذًا قَالَ فَلَبِسَ لَأْمَتَهُ قَالَ فَقَالَتْ الْأَنْصَارُ رَدَدْنَا عَلَى رَسُولِ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ رَأْيَهُ فَجَاءُوا فَقَالُوا يَا نَبِيَّ اللَّهِ شَأْنَكَ إِذًا فَقَالَ إِنَّهُ لَيْسَ لِنَبِيٍّ إِذَا لَبِسَ لَأْمَتَهُ أَنْ يَضَعَهَا حَتَّى يُقَاتِلَ
ነጊሩና ኣሎ [ዓብዱሽሻማድ]ን [ዓፋን] ድማ ከምዚ ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [ሓመድ] [ዓፋን] ኢሉ፤ ኣብ ሓዲሱ፣ ሓቢሩና ኣሎ [ኣቡ ኣዝ ዙበይር] ከምኡ’ውን [ዓብዱሾማድ] ከምዚ ኢሉ፤ ኣብ ሓዲሱ [ኣቡ ኣዝ ዙበይር] ካብ [ጃቢር ቢን ዓብደላ] ከም ዝገለጽናዮ ረሱሉላህ ሻላሁዓላይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሉ: 'ሓያል ዕጥቂ ከም ዝለበስኩ ሓሊመ ከምኡ ውን ላም ክትሕረድ ክርኢ ሓሊመ: ጽኑዕ ዕጥቂ መዲና ኢለ ተርጒመዮ: ትርጉም ላም ግን ብኣላህ ጽቡቕ እዩ' ኢሉ። -ጃቢር ቢን ዓብደላ ራድልያላሁዓንሁማ- ከምዚ ኢሉ፤ ሽዑ -ረሱል ሰለላሁዓለይሂ ዋሰላም- ንሰሓባታቶም ‘ኣብ መዲና እንተንሰፍር ኔርና፡ ኣብኡ ድማ -እንተጥቅዑና- ምተዋጋእናዮም ኔርና’ ኢሎም፤ ኦ ረሱል በላህ ኣብ ግዜ ጃሂሊያ ኣብ ከተማ መዲና መጥቃዕቲ በጺሕና ኣይንፈልጥን ኣብ ዘመነ እስልምና ከመይ ጌርና መጥቃዕቲ ክወርደና ይኽእል? [ዓፋን] ኣብ ሓዲሱ ከምዚ ኢሉ፣ ሽዑ - ነቢይ ሰለላሁዓለይሂ ዎሰላም- ‘እሞ ንዓኻ ይምልከት’ ኢሉ። -ጃቢር ቢን ዓብደላ ራድልያላሁዓንሁማ- ከምዚ ኢሉ፤ ሽዑ -ረሱሉላህ ሻላሁዓላይሂ ዋሳላም- ዕጥቁ ተኸዲኑ። -ጃቢር ቢን ዓብደላ ራድልያላሁዓንሁማ- ከምዚ ኢሉ፤ ህዝቢ ኣንሾር 'ናይ ረሱሉላህ ሰለላሁዓለይሂ ዋሰላም ርእይቶ ነጺግናዮ ኣለና' ኢሎም፣ ድሕሪኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም፤ ኦ ናቢዩላህ ሽዑ ንዓኻ ይምልከት፣ ሽዑ -ረሱል ሰለላሁዓለይሂ ዋሰላም- ከምዚ ኢሎም: 'ነቢይ ዕጥቂ ክለብስ ድሕሪኡ ክሳብ ዝዋጋእ እንደገና ከውጽኦ ኣይፍቀድን እዩ'።