Imam Ahmad : 10623
حَدَّثَنَا مُؤَمَّلُ بْنُ إِسْمَاعِيلَ قَالَ حَدَّثَنَا حَمَّادٌ يَعْنِي ابْنَ سَلَمَةَ حَدَّثَنَا الْجُرَيْرِيُّ عَنْ أَبِي نَضْرَةَ عَنْ أَبِي سَعِيدٍ أَنَّ رَسُولَ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ إِذَا أَتَى أَحَدُكُمْ حَائِطًا فَأَرَادَ أَنْ يَأْكُلَ فَلْيُنَادِ يَا صَاحِبَ الْحَائِطِ ثَلَاثًا فَإِنْ أَجَابَهُ وَإِلَّا فَلْيَأْكُلْ وَإِذَا مَرَّ أَحَدُكُمْ بِإِبِلٍ فَأَرَادَ أَنْ يَشْرَبَ مِنْ أَلْبَانِهَا فَلْيُنَادِ يَا صَاحِبَ الْإِبِلِ أَوْ يَا رَاعِيَ الْإِبِلِ فَإِنْ أَجَابَهُ وَإِلَّا فَلْيَشْرَبْ وَالضِّيَافَةُ ثَلَاثَةُ أَيَّامٍ فَمَا زَادَ فَهُوَ صَدَقَةٌ
ተነጊሩና ኣሎ [ሙ`ዓምል ቢን እስማዒል] ከምዚ ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [ሓመድ] - ማለት ኢብን ሰላማ - ካብ [ኣቡ ናድራ] ካብ [ኣቡ ሰዒድ] [ኣል ጁራይሪ] ነጊሩና ኣሎ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሎም: ሓደ ካባኻትኩም ናብ ናይ ካልእ ሰብ ጀርዲን እንተመጺኡ: ካብኡ ፍረ ክበልዕ እንተደልዩ: ሽዑ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ይጽውዕ: እንተመሊሱ ፍቃድ ይሓትት እንተዘይመሊሱ ድማ ይበልዓ። ሓደ ካባኻትኩም ድማ ገመል ሓሊፉ ጸባኣ ክሰቲ እንተደለየ፡ ‘ኦ ዋና ገመል’ ኢሉ ይጽውዓ -ወይ ድማ - ‘ኦ ጓሳ ኣግማል’ ኢሉ እንተመለሰ፡ ፍቓድ ይሓትት እንተዘይኮይኑ ድማ ይሰትያ። እቲ ናይ ምብጻሕ ገደብ ሰለስተ መዓልቲ ክኸውን ከሎ፡ ዝተረፈ ድማ ምጽዋት እዩ።’ ኢሉ መለሰሉ።