Imam Ahmad : 8735
حَدَّثَنَا يُونُسُ قَالَ حَدَّثَنَا الْمَسْتُورُ يَعْنِي ابْنَ أَبِي عَبَّادٍ حَدَّثَنَا مُحَمَّدُ بْنُ جَعْفَرٍ الْمَخْزُومِيُّ قَالَ لَقِيَ أَبَا هُرَيْرَةَ رَجُلٌ وَهُوَ يَطُوفُ بِالْبَيْتِ فَقَالَ يَا أَبَا هُرَيْرَةَ أَنْتَ نَهَيْتَ النَّاسَ عَنْ صَوْمِ يَوْمِ الْجُمُعَةِ قَالَ لَا وَرَبِّ الْكَعْبَةِ وَلَكِنَّ رَسُولَ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ نَهَى عَنْهُ
ነጊሩና ኣሎ [ዩኑስ] ነጊሩና ኣሎ [ኣል ማስቱር] - ማለት ኢብን ኣቢ ዓባድ ከምዚ ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [መሓመድ ቢን ጃዕፋር ኣል መኽዙሚ] ከምዚ ኢሉ፤ ሓደ ሰብኣይ ምስ [ኣቡ ሑረይራ] ኣብ በይቱል ሓራም ጠዋፍ ክገብር ከሎ ተራኺቡ፡ ድሕሪኡ ሓተተ፤ 'ኦ ኣቡ ሑረይራ ንስኻ ዲኻ ንሰባት ኣብ ጁምዓት ከይጾሙ ዝኸልከልካ?' ሽዑ ኣቡ ሑራይራ መለሰ፤ 'ኣይፋልን ብረቢ ካዕባ ግን ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከልኪልዎ'።