Imam Ahmad : 7746
حَدَّثَنَا عَبْدُ الرَّزَّاقِ أَخْبَرَنَا إِسْرَائِيلُ عَنْ أَبِي سِنَانٍ عَنْ أَبِي صَالِحٍ الْحَنَفِيِّ عَنْ أَبِي سَعِيدٍ الْخُدْرِيِّ وَأَبِي هُرَيْرَةَ عَنْ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ إِنَّ اللَّهَ عَزَّ وَجَلَّ اصْطَفَى مِنْ الْكَلَامِ أَرْبَعًا سُبْحَانَ اللَّهِ وَالْحَمْدُ لِلَّهِ وَلَا إِلَهَ إِلَّا اللَّهُ وَاللَّهُ أَكْبَرُ قَالَ وَمَنْ قَالَ سُبْحَانَ اللَّهِ كُتِبَتْ لَهُ بِهَا عِشْرُونَ حَسَنَةً وَحُطَّ عَنْهُ عِشْرُونَ سَيِّئَةً وَمَنْ قَالَ اللَّهُ أَكْبَرُ فَمِثْلُ ذَلِكَ وَمَنْ قَالَ لَا إِلَهَ إِلَّا اللَّهُ فَمِثْلُ ذَلِكَ وَمَنْ قَالَ الْحَمْدُ لِلَّهِ رَبِّ الْعَالَمِينَ مِنْ قِبَلِ نَفْسِهِ كُتِبَ لَهُ بِهَا ثَلَاثُونَ حَسَنَةً وَحُطَّ عَنْهُ بِهَا ثَلَاثُونَ سَيِّئَةً
ነጊሩና ኣሎ [ዓብዱራዛቅ] ነጊሩና ኣሎ [ኢስራዒል] ካብ [ኣቡ ሲናን] ካብ [ኣቡ ሳልሕ ኣል ሓናፊ] ካብ [ኣቡ ሰዒድ ኣል ኹድሪ] ካብ [ኣቡ ሑረይራ] ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓሌይ ዋሰላም፡ ከምዚ ኢሉ: 'ብሓቂ ኣላህ ኣርባዕተ ቃላት መሪጹ፤ ሱብሓነላህ ወል ሓምዱሊላህ ዋ ላ ኢላሃ ኢላ ኣላህ ወላሁ ኣክባር፡’ በለ: ‘ሱብሃና ኣላህ ዝበሎ ዕስራ ሰናይ ግብሪ ይጽሓፈሉ ዕስራ ጌጋታት ድማ ይድምሰሰሉ: ኣላህ ኣኽባር ዝበሎ ድማ ከምኡ ክጽሓፈሉ ይገብር: ላዓ ድማ ኢላሃ ኢላላህ ከምኡ ውን ከምኡ ክጽሓፈሉ ክገብሮ እዩ፣ ካብ ልቡ ኣል ሓምዱሊላሂ ረቢል ዓላሚን ዝበለ ድማ ሽዑ ሰላሳ ሰናይ ግብሪ ክጽሓፈሉ እዩ ሰላሳ ጌጋታት ድማ ክድምሰሰሉ እዩ'።