Imam Ahmad : 1234
حَدَّثَنَا عَبْد اللَّهِ حَدَّثَنِي نَصْرُ بْنُ عَلِيٍّ حَدَّثَنَا عَبْدُ اللَّهِ بْنُ دَاوُدَ عَنْ نُعَيْمِ بْنِ حَكِيمٍ عَنْ أَبِي مَرْيَمَ عَنْ عَلِيٍّ رَضِيَ اللَّهُ عَنْهُ قَالَ كَانَ عَلَى الْكَعْبَةِ أَصْنَامٌ فَذَهَبْتُ لِأَحْمِلَ النَّبِيَّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ إِلَيْهَا فَلَمْ أَسْتَطِعْ فَحَمَلَنِي فَجَعَلْتُ أَقْطَعُهَا وَلَوْ شِئْتُ لَنِلْتُ السَّمَاءَ
ነጊሩና ኣሎ ዓብደላ፣ ነጊሩኒ ኣሎ [ናሽር ቢን ዓሊ] ነጊሩና ኣሎ [ዓብደላ ቢን ዳውድ] ካብ [ኑዓኢም ቢን ሓኪም] ካብ [ኣቡ ማርያም] ካብ [ዓሊ ራድያላህ ዓንሁ]፣ ኢሉ፤ 'ኣብ ልዕሊ ካዕባ ሓያሎ ሓወልትታት ስለ ዝነበሩ፡ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ተሰኪመ -ክልዕሎ- ናብ ላዕሊ ካዕባ ከይደ፡ ኣነ ግን ሓያል ኣይነበርኩን፡ ኣብ መወዳእታ ንሱ እዩ ተሰኪሙኒ ምእንቲ ክቖርጾ። እንተደልየ ናብ ሰማይ ክበጽሕ ይኽእል ነይረ'።