Imam Malik : 220
حَدَّثَنِي يَحْيَى عَنْ مَالِك أَنَّهُ سَأَلَ ابْنَ شِهَابٍعَنْ قَوْلِ اللَّهِ عَزَّ وَجَلَّ{ يَا أَيُّهَا الَّذِينَ آمَنُوا إِذَا نُودِيَ لِلصَّلَاةِ مِنْ يَوْمِ الْجُمُعَةِ فَاسْعَوْا إِلَى ذِكْرِ اللَّهِ }فَقَالَ ابْنُ شِهَابٍ كَانَ عُمَرُ بْنُ الْخَطَّابِ يَقْرَؤُهَا إِذَا نُودِيَ لِلصَّلَاةِ مِنْ يَوْمِ الْجُمُعَةِ فَامْضُوا إِلَى ذِكْرِ اللَّهِ
ያህያ ካብ ማሊክ ከም ዝነገረኒ ን[ኢብኑ ሺሃብ] ብዛዕባ ቃላት ኣላህ ዓዛ ወጃላ ከም ዝሓተቶ: '-ኣቱም ኣመንቲ ጁምዓት ንሰላት ምስ ተጸዋዕኩም ሽዑ ናብ ዝኽሪ ኣላህ ተሃወኹ..-' ቅ. ኣል ጁሙዓ: 9- ኢብን ሺሃብ ከምዚ ኢሉ፤ ' [ዑመር ቢን ኣል ከታሃብ] ምስ ኣንበቦ፤ "ንሰላት ምስ ተጸዋዕካ ሽዑ ናብ ዝኽሪ ኣላህ ኪድ"።