Air itu suci, tidak ada sesuatu pun yang dapat menajiskannya
Imam Nasa'i : 323
أَخْبَرَنَا سُوَيْدُ بْنُ نَصْرٍ قَالَ حَدَّثَنَا عَبْدُ اللَّهِ بْنُ الْمُبَارَكِ عَنْ سُفْيَانَ عَنْ سِمَاكٍ عَنْ عِكْرِمَةَ عَنْ ابْنِ عَبَّاسٍأَنَّ بَعْضَ أَزْوَاجِ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ اغْتَسَلَتْ مِنْ الْجَنَابَةِ فَتَوَضَّأَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ بِفَضْلِهَا فَذَكَرَتْ ذَلِكَ لَهُ فَقَالَ إِنَّ الْمَاءَ لَا يُنَجِّسُهُ شَيْءٌ
ንዓና [ሱዌይድ ቢን ናስር] ድሕሪ ምሕባሩ ከምዚ ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [ዓብደላ ቢን ኣል ሙባረክ] ካብ [ሱፍያን] ካብ [ሲማክ] ካብ [ኢክሪማ] ካብ [ኢብን ዓባስ] ገለ ካብ ኣንስቲ ናይ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ዎሰላም ጁኑብ ከም ዝሕጸባ፡ ድሕሪኡ ረሱሉላህ ሰለላሁ ዓሌይ ዋሰላም ካብቲ ዝተረፈ ማይ ውዱቕ ከም ዝገበራ፡ ድሕሪኡ ንሳቶም - ኣንስቲ ነቢ - ነዚ ነጊረንኦ፡ ሽዑ 'እቲ ማይ ብዝኾነ ነገር ክረክስ ኣይክእልን'ዩ' በለ።