Imam Ahmad : 25940
حَدَّثَنَا خَلَفُ بْنُ الْوَلِيدِ قَالَ حَدَّثَنَا أَبُو جَعْفَرٍ يَعْنِي الرَّازِيَّ عَنْ شُرَحْبِيلَ عَنْ أَبِي رَافِعٍ مَوْلَى رَسُولِ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ أُهْدِيَتْ لَهُ شَاةٌ فَجَعَلَهَا فِي الْقِدْرِ فَدَخَلَ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فَقَالَ مَا هَذَا يَا أَبَا رَافِعٍ فَقَالَ شَاةٌ أُهْدِيَتْ لَنَا يَا رَسُولَ اللَّهِ فَطَبَخْتُهَا فِي الْقِدْرِ فَقَالَ نَاوِلْنِي الذِّرَاعَ يَا أَبَا رَافِعٍ فَنَاوَلْتُهُ الذِّرَاعَ ثُمَّ قَالَ نَاوِلْنِي الذِّرَاعَ الْآخَرَ فَنَاوَلْتُهُ الذِّرَاعَ الْآخَرَ ثُمَّ قَالَ نَاوِلْنِي الذِّرَاعَ الْآخَرَ فَقَالَ يَا رَسُولَ اللَّهِ إِنَّمَا لِلشَّاةِ ذِرَاعَانِ فَقَالَ لَهُ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ أَمَا إِنَّكَ لَوْ سَكَتَّ لَنَاوَلْتَنِي ذِرَاعًا فَذِرَاعًا مَا سَكَتَّ ثُمَّ دَعَا بِمَاءٍ فَمَضْمَضَ فَاهُ وَغَسَلَ أَطْرَافَ أَصَابِعِهِ ثُمَّ قَامَ فَصَلَّى ثُمَّ عَادَ إِلَيْهِمْ فَوَجَدَ عِنْدَهُمْ لَحْمًا بَارِدًا فَأَكَلَ ثُمَّ دَخَلَ الْمَسْجِدَ فَصَلَّى وَلَمْ يَمَسَّ مَاءً
ነጊሩና ኣሎ [ከለፍ ቢን ኣል ወሊድ] ኢሉ፡ ነጊሩና ኣሎ [ኣቡ ጃዕፋር] - ማለት ኣር ራዚ - ካብ [ስዩራቢል] ካብ [ኣቡ ራፊ'] ባርያ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ዝነበረ፡ ሓደ እዋን ስጋ ምራኽ ከም ዝቐረበለይ፡ ድሕሪኡ ኣብ ድስቲ ከም ዝበሰለ፡ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ወሳላም ምስ ኣተወ ኢሉ ሓተተ:- ‘እዚ እንታይ እዩ ኣቡ ራፊ’?’ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ ‘ኦ ረሱል እዚ ዝተዋህበና ስጋ ምራኽ እዩ ደሓር ኣብ ድስቲ ኣበሲለዮ’ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘ኣታ ኣቡ ራፊ ምዕጉርቲ ሃበኒ’?’ ኢሉ መለሰሉ። ስለዚ ስጋ ምዕጉርቲ ሂበዮ፡ ድሕሪኡ ንሱ ድማ 'እቲ ካልእ ምዕጉርቲ ሃበኒ' በለ። ሽዑ ስጋ ናይቲ ካልእ ምዕጉርቲ ሂበዮ፡ ድሕሪኡ መሊሱ ‘እቲ ካልእ ምዕጉርቲ ሃበኒ’ በለ። ድሕሪኡ ኣቡ ራፊዕ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ ‘ኦ ረሱል ብሓቂ ኣጣል ክልተ ምዕጉርቲ ጥራይ እዩ ዘለወን’ ድሕሪኡ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ዎሰላም ከምዚ በሎ : ብሓቂ ስቕ እንተትብል ድሕሪ ምዕጉርቲ ምራኽ ምሃበኒ ኔርካ ። ድሕሪኡ ማይ ሓተተ፡ ኣፉ ሓጺቡ ጫፍ ኣጻብዕቱ ሓጸበ፡ ብድሕሪኡ ተንሲኡ ጸሎት ገበረ። ድሕሪኡ ናብኦም ተመሊሱ ዝሑል ስጋ ረኺቡ፡ ድሕሪኡ በሊዑ ፍጹም ማይ ከይተንከፈ ናብ መስጊድ ተመልሰ'።