Imam Ahmad : 19682
حَدَّثَنَا عَبْدُ الرَّزَّاقِ أَخْبَرَنَا مَعْمَرٌ عَنْ عَاصِمٍ عَنْ أَبِي تَمِيمَةَ الْهُجَيْمِيِّ عَمَّنْ كَانَ رَدِيفَ النَّبِيِّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ كُنْتُ رَدِيفَهُ عَلَى حِمَارٍ فَعَثَرَ الْحِمَارُ فَقُلْتُ تَعِسَ الشَّيْطَانُ فَقَالَ لِي النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ لَا تَقُلْ تَعِسَ الشَّيْطَانُ فَإِنَّكَ إِذَا قُلْتَ تَعِسَ الشَّيْطَانُ تَعَاظَمَ الشَّيْطَانُ فِي نَفْسِهِ وَقَالَ صَرَعْتُهُ بِقُوَّتِي فَإِذَا قُلْتَ بِسْمِ اللَّهِ تَصَاغَرَتْ إِلَيْهِ نَفْسُهُ حَتَّى يَكُونَ أَصْغَرَ مِنْ ذُبَابٍ
ንሱ ነጊሩና እዩ [ዓብዱራዛቅ]፣ ንሱ ነጊሩና እዩ [ማዓመር] ካብ [ዓሺም] ካብ [ኣቡ ታሚማ ኣል ሑጃይሚ] ካብ [እቲ ሓደ እዋን ምስ ነቢይ ዝተጋልበ ሰብ] ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ኢሉ፤ 'ሓንሳብ ኣብ ኣድጊ ተወጢሕኩዎ፡ ድሕሪኡ እቲ ኣድጊ ሸተት ኢሉ ስለ ዝነበረ፤ 'ወይ ሸይጣን' ሽዑ ነቢይ ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ በሉኒ: ወዮ ንሰይጣን ኣይትበል: ምኽንያቱ ወዮ ሰይጣን እንተበልካዮ ሰይጣን ክምካሕ እዩ:: ሰይጣን ከምዚ ኢሉ፤ 'ብሓይለይ ተቓሊሰዮ ኣለኹ'፡ ቢስሚላህ እንተ ኣንቢብካዮ ድማ ሰይጣን ካብ ጽንጽያ ክሳብ ዝንእስ ንነብሱ ንእሽቶ ኮይኑ ክስምዓ'ዩ።