Imam Ahmad : 15180
حَدَّثَنَا الْحَكَمُ بْنُ نَافِعٍ قَالَ حَدَّثَنَا إِسْمَاعِيلُ بْنُ عَيَّاشٍ عَنْ سَالِمِ بْنِ عَبْدِ اللَّهِ عَنْ عَبْدِ اللَّهِ بْنِ مُحَمَّدِ بْنِ عَقِيلٍ قَالَ تَزَوَّجَ عَقِيلُ بْنُ أَبِي طَالِبٍ فَخَرَجَ عَلَيْنَا فَقُلْنَا بِالرَّفَاءِ وَالْبَنِينَ فَقَالَ مَهْ لَا تَقُولُوا ذَلِكَ فَإِنَّ النَّبِيَّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَدْ نَهَانَا عَنْ ذَلِكَ وَقَالَ قُولُوا بَارَكَ اللَّهُ لَكَ وَبَارَكَ عَلَيْكَ وَبَارَكَ لَكَ فِيهَا
ነጊሩና ኣሎ [ኣል ሓካም ቢን ናፊዕ] ከምዚ ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [ኢስማዒል ቢን ዓያሲ] ካብ [ሳሊም ቢን ዓብደላ] ካብ [ዓብደላ ቢን መሓመድ ቢን ዓቂል] ከምዚ ኢሉ፤ [ዓቂል ቢን ኣቡ ጣሊብ] ተመርዕዩ፡ ድሕሪኡ ክረኽበና ወጺኡ። ኢልና፤ BIR ROFA`'I WA AL BANIN -በረኸት፣ ሓድነትን ብዙሓት ውሉድን ይግበረልኩም-። ሽዑ ከምዚ ኢሉ፤ ከይትገብር! ከምኡ ኣይትበል። ረሱል ሰለላሁዓላይሂዋሰላም ነዚ ከልኪሎምና እዮም፡ እንተኾነ ግን ከምዚ ኢሎም:- በል:- "ረቢ ኣብ ግዜ ሓጎስን ሓዘንን ንኽልቴኹም በረኸት ይሃበኩም: ኣብ ዓውዲ ሓዳር ድማ በረኸት ይሃበኩም" ኢሎም።