Imam Bukhari : 5678
حَدَّثَنَا مُسَدَّدٌ حَدَّثَنَا يَحْيَى عَنْ عُبَيْدِ اللَّهِ حَدَّثَنِي نَافِعٌ عَنْ ابْنِ عُمَرَ رَضِيَ اللَّهُ عَنْهُمَا قَالَقَالَ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ أَخْبِرُونِي بِشَجَرَةٍ مَثَلُهَا مَثَلُ الْمُسْلِمِ تُؤْتِي أُكُلَهَا كُلَّ حِينٍ بِإِذْنِ رَبِّهَا وَلَا تَحُتُّ وَرَقَهَا فَوَقَعَ فِي نَفْسِي أَنَّهَا النَّخْلَةُ فَكَرِهْتُ أَنْ أَتَكَلَّمَ وَثَمَّ أَبُو بَكْرٍ وَعُمَرُ فَلَمَّا لَمْ يَتَكَلَّمَا قَالَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ هِيَ النَّخْلَةُ فَلَمَّا خَرَجْتُ مَعَ أَبِي قُلْتُ يَا أَبَتَاهُ وَقَعَ فِي نَفْسِي أَنَّهَا النَّخْلَةُ قَالَ مَا مَنَعَكَ أَنْ تَقُولَهَا لَوْ كُنْتَ قُلْتَهَا كَانَ أَحَبَّ إِلَيَّ مِنْ كَذَا وَكَذَا قَالَ مَا مَنَعَنِي إِلَّا أَنِّي لَمْ أَرَكَ وَلَا أَبَا بَكْرٍ تَكَلَّمْتُمَا فَكَرِهْتُ
ነጊሩና ኣሎ [ሙሳዳድ] ነጊሩና ኣሎ [ያሕያ] ካብ [ዑበይዱላህ] ነጊሩኒ ኣሎ [ናፊ'] ካብ [ኢብን ዑመር] ራድሊያላሁ ዓንሁማ ኢሉ፤ ረሱሉላህ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሉ: ብዛዕባ ሓንቲ ከም ኣስላማይ ብፍቓድ ዋናኣ ኣብ ዝኾነ እዋን ፍረ እትፈሪን ቆጽላ ፈጺሙ ዘይወድቕን ገረብ ንገረኒ’። ልበይ እታ ገረብ ስየ ተምሪ እያ በለኒ፡ ክብሎ ግን ኣይደፈርኩን፡ ብፍላይ ኣቡበከርን ዑመርን ኣብኡ ስለ ዝነበሩ፡ ክልቲኦም ኣብ ዘይዛረቡሉ እዋን፡ ረሱል ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም፡ 'እታ ገረብ ስየ ተምሪ እያ' በሉ። ምስ ኣቦይ ኣብ ዝወጻእኩሉ እዋን፤ 'ኦ ኣቦይ ኣቐዲመ ብልበይ እታ ገረብ ስየ ተምሪ እያ ኢለ ነይረ'። ኣቦይ ድማ፤ ‘ንምንታይ ዘይትምልስ! ከምኡ እንተመሊስካ፡ እዚ ካብ እዚን እዚን ንላዕሊ ንዓይ ዝጥዕመኒ እዩ'። ዓብደላ ድማ፤ 'ብሓቂ ንምምላስ ዝዓግተኒ ነገር ኣይነበረን፡ ንስኻን ኣቡበከርን ግን ከይትዛረቡ ርእየዮም፡ ስለዚ -ቅድሚት ክህቦ- ኣይፈተኹዎን'።