Imam Darimi : 2497
أَخْبَرَنَا عَبْدُ اللَّهِ بْنُ الزُّبَيْرِ حَدَّثَنَا الْفَرَجُ بْنُ سَعِيدٍ قَالَ أَخْبَرَنِي عَمِّي ثَابِتُ بْنُ سَعِيدٍ عَنْ أَبِيهِ سَعِيدٍ عَنْ جَدِّهِ أَبْيَضَ بْنِ حَمَّالٍ أَنَّهُ سَأَلَ رَسُولَ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ عَنْ حِمَى الْأَرَاكِ فَقَالَ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ لَا حِمَى فِي الْأَرَاكِ فَقَالَ أَرَاكَةٌ فِي حِظَارِي فَقَالَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ لَا حِمَى فِي الْأَرَاكِ قَالَ فَرَجٌ يَعْنِي أَبْيَضُ بِحِظَارِي الْأَرْضَ الَّتِي فِيهَا الزَّرْعُ الْمُحَاطُ عَلَيْهَا
ነጊሩና ኣሎ [ዓብደላ ቢን ኣዝ ዙበይር] ነጊሩና ኣሎ [ኣልፈራጅ ቢን ሰዒድ] ኢሉ፤ ኣነ ንኣኮይ ማለት [ታቢት ቢን ሰዒድ] ካብ ኣቡኡ ማለት [ሰዒድ] ካብ ኣባሓጉኡ ማለት [ኣብያድ ቢን ሓማል] ንረሱሉላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ብዛዕባ ዝተሓለወ መሬት ሽዋክ ከም ዝሓተቶ ሓቢረዮ ኣለኹ። ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሎም: 'ዝሕሎ መሬት ሲዋክ የለን'። ደጊሙ ድማ፤ '-ገረብ ስይዋክ- ኣብታ ሓጹር ዝተገብረላ መሬተይ ኣላ'። ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሎም: 'ዝኾነ መሬት ሲዋክ ኣይሕሎን እዩ'። ፋራጅ ከምዚ ኢሉ፤ 'ኣብያድ ሓዝሓሪ ክብል ከሎ፡ ነቲ መሬት ዝኸበበ ተኽሊ ዘለዎ መሬት'ዩ።