Imam Bukhari : 3697
حَدَّثَنِي عُبَيْدُ بْنُ إِسْمَاعِيلَ حَدَّثَنَا أَبُو أُسَامَةَ عَنْ هِشَامِ بْنِ عُرْوَةَ عَنْ أَبِيهِ قَالَ قَالَ الزُّبَيْرُلَقِيتُ يَوْمَ بَدْرٍ عُبَيْدَةَ بْنَ سَعِيدِ بْنِ الْعَاصِ وَهُوَ مُدَجَّجٌ لَا يُرَى مِنْهُ إِلَّا عَيْنَاهُ وَهُوَ يُكْنَى أَبُو ذَاتِ الْكَرِشِ فَقَالَ أَنَا أَبُو ذَاتِ الْكَرِشِ فَحَمَلْتُ عَلَيْهِ بِالْعَنَزَةِ فَطَعَنْتُهُ فِي عَيْنِهِ فَمَاتَ قَالَ هِشَامٌ فَأُخْبِرْتُ أَنَّ الزُّبَيْرَ قَالَ لَقَدْ وَضَعْتُ رِجْلِي عَلَيْهِ ثُمَّ تَمَطَّأْتُ فَكَانَ الْجَهْدَ أَنْ نَزَعْتُهَا وَقَدْ انْثَنَى طَرَفَاهَا قَالَ عُرْوَةُ فَسَأَلَهُ إِيَّاهَا رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فَأَعْطَاهُ فَلَمَّا قُبِضَ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ أَخَذَهَا ثُمَّ طَلَبَهَا أَبُو بَكْرٍ فَأَعْطَاهُ فَلَمَّا قُبِضَ أَبُو بَكْرٍ سَأَلَهَا إِيَّاهُ عُمَرُ فَأَعْطَاهُ إِيَّاهَا فَلَمَّا قُبِضَ عُمَرُ أَخَذَهَا ثُمَّ طَلَبَهَا عُثْمَانُ مِنْهُ فَأَعْطَاهُ إِيَّاهَا فَلَمَّا قُتِلَ عُثْمَانُ وَقَعَتْ عِنْدَ آلِ عَلِيٍّ فَطَلَبَهَا عَبْدُ اللَّهِ بْنُ الزُّبَيْرِ فَكَانَتْ عِنْدَهُ حَتَّى قُتِلَ
ነጊሩኒ ኣሎ [ዑቤድ ቢን እስማዒል] ነጊሩና ኣሎ [ኣቡ ኡሳማ] ካብ [ሂስያም ቢን ዑርዋ] ካብ [ኣቡኡ] ከምዚ ኢሉ: [ኣዝ ዙበይር] ከምዚ ኢሉ፤ ’ኣብ ውግእ ባድር ምስ ዑበይዳ ቢን ሰዒድ ቢን ኣል ዓሽ ገጢሙኒ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣካላቱ ብዘይካ ኣዒንቱ ካብ ኣካላቱ ካልእ ከይርአ ብናይ ውግእ ናውቲ ተሸፊኑ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣቡ ድዛት ኣል ካሪሲ ይበሃል። ብኲናት ኣጥቂዐዮ ድሕሪኡ ንሓንቲ ዓይኑ ክሳብ ዝመውት ወጊአያ። ሂስያም ድማ፡ ሓደ እዋን ኣዝ ዙበይር ከም ዝበለ ተሓቢሩኒ ነይሩ፤ 'እግረይ ኣብ ኣካላቱ ኣንቢረ ድሕሪኡ ንበይነይ ዘርጊሐዮ።' ጫፉ ስለ ዝጠወየ ነቲ ኲናት ንምውጻእ ብሓቂ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።’ ኢሉ መለሰሉ። ኡርዋ ከምዚ በለ፤ ብድሕሪኡ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ወሰላም ነቲ ኲናት ካብኡ ሓቲቱ ንሱ ድማ ሃቦ። ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ምስ ሞቱ ነቲ ኲናት መለሶ። ሽዑ ኣቡበከር ደለዮ እሞ ሃቦ። ኣቡበከር ምስ ሞተ ዑመር ሓተቶ ንሱ ድማ ንዑመር ሃቦ። ዑመር ምስ ሞተ ድማ ነቲ ኲናት መለሶ። ሽዑ ዑስማን ካብኡ ደለዮ ንዑስማን ድማ ሃቦ። ዑስማን ምስ ተቐትለ እቲ ኲናት ምስ ስድራ ዓሊ ተዓቂቡ ዓብደላ ቢን ኣዝ ዙበይር ድማ ወሲድዎ። እቲ ኲናት ድማ ክሳብ ዓብደላ ቢን ኣዝ ዙበይር ዝቕተል ምስኡ ጸንሐ'።