Imam Nasa'i : 4574
أَخْبَرَنَا زِيَادُ بْنُ أَيُّوبَ قَالَ حَدَّثَنَا إِسْمَعِيلُ قَالَ حَدَّثَنَا أَيُّوبُ عَنْ أَبِي الزُّبَيْرِ عَنْ جَابِرٍأَنَّ رَجُلًا مِنْ الْأَنْصَارِ يُقَالُ لَهُ أَبُو مَذْكُورٍ أَعْتَقَ غُلَامًا لَهُ عَنْ دُبُرٍ يُقَالُ لَهُ يَعْقُوبُ لَمْ يَكُنْ لَهُ مَالٌ غَيْرُهُ فَدَعَا بِهِ رَسُولُ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ فَقَالَ مَنْ يَشْتَرِيهِ فَاشْتَرَاهُ نُعَيْمُ بْنُ عَبْدِ اللَّهِ بِثَمَانِ مِائَةِ دِرْهَمٍ فَدَفَعَهَا إِلَيْهِ وَقَالَ إِذَا كَانَ أَحَدُكُمْ فَقِيرًا فَلْيَبْدَأْ بِنَفْسِهِ فَإِنْ كَانَ فَضْلًا فَعَلَى عِيَالِهِ فَإِنْ كَانَ فَضْلًا فَعَلَى قَرَابَتِهِ أَوْ عَلَى ذِي رَحِمِهِ فَإِنْ كَانَ فَضْلًا فَهَا هُنَا وَهَا هُنَا
ንዓና [ዚያድ ቢን ኣዩብ] ምስ ሓበረና፤ [እስማዒል] ነጊሩና ኣሎ ኢሉ፤ ካብ [ኣቡ ኣዝ ዙበይር] ካብ [ጃቢር] ሓደ ሰብ ካብ ኣንሳር ኣቡ ማድዝኩር ዝተባህለ ሰብኣይ ያዕቁብ ዝተባህለ ባርያኡ ምስ ሞተ ሓራ ከም ዘውጽኦ፡ ብዘይካኡ ካልእ ንብረት ከም ዘይነበሮ ነጊሩና ኣሎ። ሽዑ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ዋሰላም እቲ ባርያ ከምጽእ ሓቲቱ፡ ድሕሪኡ መን ክገዝኦ እዩ በለ። ድሕሪኡ ብኑዓም ቢን ዓብደላ ብሸሞንተ ሚእቲ ዲርሃም ተዓዲጉ። ሽዑ ንኣንሳር ኣረኪቡ ከምዚ በለ: ሓደ ካባኻትኩም ድኻ እንተኾይኑ ብነብሱ ክጅምር ኣለዎ: ሽዑ ዝተረፈ እንተሃልዩ ሽዑ ንስድራቤቱ ሃቦ: ሽዑ ዝተረፈ እንተሃልዩ ንኣዝማዱ ሃቦ ሽዑ ዝተረፈ እንተኾይኑ ኣብዚን ኣብቲን ሃቦ'።