Amalan yang paling utama adalah iman
Imam Bukhari : 25
حَدَّثَنَا أَحْمَدُ بْنُ يُونُسَ وَمُوسَى بْنُ إِسْمَاعِيلَ قَالَا حَدَّثَنَا إِبْرَاهِيمُ بْنُ سَعْدٍ قَالَ حَدَّثَنَا ابْنُ شِهَابٍ عَنْ سَعِيدِ بْنِ الْمُسَيَّبِ عَنْ أَبِي هُرَيْرَةَأَنَّ رَسُولَ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ سُئِلَ أَيُّ الْعَمَلِ أَفْضَلُ فَقَالَ إِيمَانٌ بِاللَّهِ وَرَسُولِهِ قِيلَ ثُمَّ مَاذَا قَالَ الْجِهَادُ فِي سَبِيلِ اللَّهِ قِيلَ ثُمَّ مَاذَا قَالَ حَجٌّ مَبْرُورٌ
ተነጊሩና ኣሎ [ኣሕመድ ቢን ዩኑስ] ከምኡ ውን [ሙሳ ቢን እስማዒል] ክልቲኦም ከም ዝበሉ፣ ተነጊሩና ኣሎ [ኢብራሂም ቢን ሳዓድ] ከም ዝበለ፣ ንዓና [ኢብን ሺሃብ] ካብ [ሰዒድ ቢን ኣል ሙሳያብ] ካብ [ኣቡ ሑረይራ] ተነጊሩና ኣሎ፣ ረሱል ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሳላም ብዛዕባ እስልምና ከምዝተሓተተ፣ ኣየናይ እዩ እቲ ኣገዳሲ? ስለዚ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ ‘እምነት ኣብ ኣላህን ረሱልኡን’። ድሕሪኡ እንደገና ‘እሞ እንታይ፧’ ኢሉ ሓተተ። ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ: ኣልጅሃድ ፊ ሳቢሊላህ -ኣብ መንገዲ ኣላህ ምቅላስ-:: ሽዑ እንደገና ‘እሞ ካልእ እንታይ፧’ ኢሉ ሓተተ። ንሱ ድማ ሸላለሁ ዓለይሂ ዋሰላም: 'ሓጅ ማብሩር' ኢሉ መለሰ።