Imam Nasa'i : 2123
أَخْبَرَنَا مُحَمَّدُ بْنُ يَحْيَى بْنِ أَيُّوبَ قَالَ أَنْبَأَنَا وَكِيعٌ قَالَ حَدَّثَنَا سُفْيَانُ عَنْ عَاصِمٍ عَنْ زِرٍّ قَالَقُلْنَا لِحُذَيْفَةَ أَيَّ سَاعَةٍ تَسَحَّرْتَ مَعَ رَسُولِ اللَّهِ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ قَالَ هُوَ النَّهَارُ إِلَّا أَنَّ الشَّمْسَ لَمْ تَطْلُعْ
ንዓና [መሓመድ ቢን ያህያ ቢን ኣዩብ] ድሕሪ ምሕባሩ ከምዚ ኢሉ፤ ሰቢኹልና ኣሎ [ዋኪ'] ኢሉ፤ ነጊሩና ኣሎ [ሱፍያን] ካብ [ዓሺም] ካብ [ዚር] ኢሉ፤ [ሑድዛይፋ] ኣብ ምንታይ ሰዓት ምስ ረሱሉላሁ ዓለይሂ ዋሰላም ሳሁር በሊዕኩም ኢልና ሓቲትናዮ? ንሱ ድማ 'እዚ ማለት ብመዓልቲ እዩ፣ ጸሓይ ጥራይ እያ ገና ዘይወረቐት' ኢሉ መለሰሉ።